ልሙድ ገበን ብስም ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ (ካብ እንግሊዘኛ ዝተተርጎመ) Print
Wednesday, 19 October 2011 23:58

ቅድሚ 15 ዓመት ዝኾነ ርእሰ ምኽኣል: ኣብ ኤርትራ እታ ዝነውሐት ዕድመ ዘለዋን ዝተኸበረትን ኣካል ኢያ። ክንዮቲ ሓዋርያዊ ሰንሰለት ዘለዎ ዓሚቝ መንፈሳዊ ትሕዝቶኣ ከኣ ንኣስታት ክልተ ሽሕ ዓመታት ከም ናይ መምሃሪ ማእከልን ዓንዲ ሕቖን ሕብረተሰብ ኤርትራ ኮይና ጸኒሓ ኣላ። እዛ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን እዚኣ ከኣ ነዚ መንፈሳውነት፡ ትምህርትን ባህልን ክሳዕ'' ወለዶዚ ተሓልዩ ክጸንሕ ብቐሊሉ ዘይግመት ተራ ተጻዊታ ኢያ። እዛ ጥንታዊት ቤተክርስቲያን ደኣ መዓስያ መኣዝና ስሒታ ኣብዚ ሕጂ ዘላቶ ዘሕዝን ኩነታት ወዲቓ? ኢሉ ንዝሓትት ሰብ፡ ነቲ እዛ ቤተክርስቲያን ኣብ 1 ክፋል ናይ መበል ዕስራ ክፍለ ዘመን ዘጋጠማ ታሪኻዊ ውድቀት ኣብ ቅድሚ እቲ ዘጋጠማ ብድሆ ምርኣይ ናይ ግዲ ይኸውን። ተመሳሳልነት ናይቲ ዘሕፍር ሞራላውን መንፈሳውን ውድቀት ገለ መራሕቲ ናይቲ እዋን እትን ዘስደምም ክሕደትን ጭካነን ናይዚ እዋንዚ መራሕትን ንኽትኣምኖ ዘጸግም ኢዩ። ኣብዚ ህሞት'' እዩ ኸኣ እቲ ኔልሰን ማንዴላሳዕቤን ውዱቕ መሪሕነት’ (the tragedy of failed leadership) ዝበሎ ብንጹር ኣብዛ ቤተክርስቲያን ጎሊሑ ዝርኣየካ።


ውድቀት ናይ መሪሕነት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ ብንጹር ዘርእዩ ክልተ ኣብነታት - ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ - ንርአ። እቲ ናይ ሽዕኡ ዘሕዝን ፍጻመታት ብዕምቆት ምርኣይ ነዚ ሕጂ ወዲቓትሉ ዘላ ደልሃመት ንምርዳእ ሓጋዚ እዩሞ። ወቐሳ ኣንጻር እቶም እዚ ገበን'' ዝፈጸሙ ሰበስልጣን ግን ንኦርቶዶክሳዊ እምነት፡ ንምእመናን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ፡ ነቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ወጻኢ ኣበየ ኩርንዑ ዘለዉ ውሉደ ክህነት ከሰክፎም የብሉን። ከመይሲ ብዝተፈላለየን ንዝተፈላለየን ምኽንያት እዚውዱቕ መሪሕነትይሃሉ እምበር፡ ከም ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ኣብ ኤርትራ''ውን ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ንህዝባ እተውርሶ ብዙሕ በረኸታት ጸኒሑን ኣሎን።

ዓመታት ነውጺ 1935-1950

ኣብ ኣርብዓታት (1940ታት) ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሰልፍታት ተወዲቡ ብዛዕባ መጻኢ ኩነታት ሃገሩ ዝዘተየሉን ዝተኻትዓሉን ታሪኻዊ ዓመታት አዩ ነይሩ። በዚ ከኣ 1940ታትወርቃዊ ዘመንዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ክበሃል ይከኣል። ዋላ እኳ ብዝተፈላለዩ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ዝተመወለ ራዕድን ሽበራን እንተነበሮ፡ ቅድሚኡ ኮነ ድሕሪኡ ከምቲ ግዜ እቲ ገይሩ ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ መጻኢ ዕድላቱን ታሪኹን ብነጻነት ዝተዛረበሉን ዝዘተየሉን ግዜ የለን። ኣብቲ እዋንቲ ክልተ ጉጅለ ተፈጢሮም፡ ስለ ናጽነት ዝጣበቕ - ቀጽሪ ናጽነትን ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ዝድግፍ - ማሕበር ኣንድነትን። እቲ ቅድሚ ስሳ ዓመታት ኣቢሉ ገለ መራሕቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ ዝተጻወትዎ ተራ ነዚ ሎሚውን ገለ መራሕቲ ዝጻወትዎ ዘለዉ ኣዕናዊ ግደ ንምርዳእ ኣዝዩ ሕጋዚ ኢዩ።


ኣብታ ኣብ ኣርብዓታት ንዝነበረ ፖለቲካዊ ሃዋህው ኤርትራ ብውሕሉል ኣገባብ እተዘንቱ ብኣቶ ኣለምሰገድ ተስፋይ እተጻሕፈት መጽሓፍኣይንፈላለከም እተዘንተወ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ከተማ ኣሰመራ ዝነበሩ ማሕበራትማሕበር ኣንድነትኣዋጅ ይእውጅ፡ ዕላማ እቲ ኣዋጅ ነቲ መብዛሕትኡ ተኸታሊ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ዝኾነ ህዝቢ ከበሳ ንምርዓድን ንቀጽሪ ናጽነት ብምቅዋም ንሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ደው ከምዚብል ንምፍርራህን ኢዩ ነይሩ።


እቲ ኣዋጅ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ:

ምስ ኣብ ማሕበር ብሎኮ (ቀጽሪ ናጽነት) ዘሎ ሰብ ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ከይንሳተፍ፡

ምስ ኣብ ማሕበር ብሎኮ (ቀጽሪ ናጽነት) ዘሎ ሰብ ሕጸ ተሓጻጺና እንተለና ክንፈታታሕ፡

ኣብ ማህበር ብሎኮ (ቀጽሪ ናጽነት) ዘሎ ሰብ: መርዓ እንተገበረ፡ ከይንዕደም፡ ከይንኣትዎ፡ ዝኾነ ይኹን ገንዘብናን ኣቕሑትናን እውን ከይንህቦ፡


ኣብ ማሕበር ብሎኮ (ቀጽሪ ናጽነት) ዘሎ ሰብ ንሱ ወይ ብእኡ ዝናበሩ ሰብ ስድራቤቱ እንተሞቱ፡ መርድእ ከይንኸደሎም። ሬሳኦም ዝወስዶ እንተሰኣነ ግን፡ ዓዲ ፌራ ከይቐትል ከም ሕኑቕ ብዘይ መስቀል፡ ብዘይ ፍትሓት ኣርባዕተ ዓራት ዝስከሙ፡ ሰለስተ ጉድጋ ዝኹዕቱ ኮይኖም ይቕበርዎ። ዝኾነ ይኹን ናይ ደበስ ሓገዝ ከይንህብ፡

ቀሺ ኣብ ማሕበር ብሎኮ (ቀጽሪ ናጽነት) ዘሎ ሰብ ኣብ ማሕድሮ እንተኣልዩ ካብ ማሕድሮ ክስጐጕ፡ ዝኾነ ይኹን ምእመን ብእኡ ከይናዘዝ፡ ከይጥመቕ፡ ከይባረኽ፡ ካብ ኢዱ ጨሪሹ ክወጽእ

ኣብታ ነዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ጽሑፍ ዘስፈረት መጽሓፍኣይንፈላለኣቶ ኣለምሰገድ ተስፋይ ከምዚ ይብል፡


ከምዚ ዝመሰለ መንፈሳዊ ውሳኔታት መቸም ብሓደ ጨንፈር ማሕበር ሕብረት ጥራይ ሓሊፉስ፡ ብዘይ ስምምዕ ቤተ ክርስትያን ነቲ ዝድለ ሓይሊ ክረክብ ማለት ዝሕሰብ ኣይኮነን። ኣብ ልዕሊ ምእመናን ይፈጥሮ ንዝነበረ ምጭናቕን ራዕድን ግን ብቐሊሉ ክንግንዘብ ንኽእል።


እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ሓሳብ ከም ዘብርሆ፡ እቶም ኣብ ግዜ መግዛእቲ ኢጣልያ ምስ መራሕቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ዋላ ሓደ ርክብ ዘይነበሮም መራሕቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ፡ ነቶም ኣንጻር ናጽነት ዝቖሙ ሓይልታት ንምግልጋል ርእሶም ወፈዩ። ኣብ ኣርብዓታት ናይማሕበር ኣንድነትቀንዲ መሳርሒውን ንሳቶም ነበሩ። ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኤናዮን ካልእ ንዕኡ ዚመስል ተመሳሰልቲ ኣዋጃትን ብዘይ ፍቓድን በረኸትን ናይ ገለ መራሕቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኪኸውን ዘይከኣል ኢዩ። ነዚ ከምዚ ዝበለ ክርስትያናዊ መንፈሳውነት ዝሓረሞ መግለጺታት ካብ ኣባላት ቀጽሪ ናጽነት ተሪር ብድሆ የጋጥሞ ነበረ።


ኣብ ካልኣይ ሕታም ናይታ ደጋፊት ናጽነት ዝነበረት ሰሙናዊት ጋዜጣሓንቲ ኤርትራሓደ ጸሓፊ ስለቲ ገለ መራሕቲ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ (ኦተቤኤ) ኣብ ፖለቲካ ዝነበሮም ዘይክርስትያናዊ ግደን ኣጸያፊ ተግባራትን ብትንቢታዊ ቃል ብትሪ ኮነነ። ኣብታዘይሕከኽ በደልዘርእስታ ጽሕፍቲ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመታት ማለት ካብ 1935-1950 ብሰበስልጣን ኦተቤ ዘተፈጸመ ክልተ ዘሕፍር በደላት አቃልዐ። ብሓደ ሸነኽ፡ ነቲ ኣብ 1935 ኢጣልያ ንኢትዮጵያ እትወረሉ ዝነበረ እዋን መራሕቲ ኦተቤኤ ምስ ፋሽስታውያን ኢጣልያውያን ዝነበሮም ዘሕንኽ ሽርክነት ብኸምዚ ዚስዕብ ይገልጾ፡


በቲ ቐዳማይ በደላ፡ ነታ ካብ ኣሽሓት ዓመታት ብናጽነታ ዝነበረት ሃገር ኢትዮጵያ ንምጥቃዕ፡ ምስ ባዕዳዊ መንግስቲ (ኢጣልያ) ሓቢራ፡ መሳርያኡውን ኮይና፡ ኣብ ምፍሳስ ደም ሰገድትን ቆረብትን (ተኸተልቲ ሓደ እምነት) ኢዳ መሊሳ ተረኽበት። በቲ ጊዜ''ቲ፡ ነቲ ዘይሃገሩ ዚወርር ዚነበረ ሰራዊት (ኢጣልያ) ዘይሰዓበ ወዲ ኤርትራብነፍሱን ብስጋኡን ኵኑን ኮይኑ ኪነብር ኢዩ ኢላ እናፈራርሀት፡ ናይ ሕዝበ ክርስትያን፡ ሕዝበ ተዋህዶ መንፈሳውን ስጋውን ናጽት ሰበረት።


እቲ ጸሓፊ ቀጺሉ ናብቲ ኣብቲ እዋን'' ማለት ኣብ ማእከል እቲ ናይ 1940ታት ፖለቲካዊ ሃዋህው ኣብ ኤርትራ ዚርአ ዝነበረ ዘሕፍር ተመሳሳሊ ባህርያት ናይ ገለ መራሕቲ ኦተቤ ይሓልፍ። ኣብቲ እዋንቲ ግን ኣገልግሎት መራሕቲ ኦተቤ ንንጉስ ኢትዮጵያ ሃጸይ ይለስላሴ ብምግልጋል ኣንጻር እቶም ንህይወቶም ከይበቐቑ ንናጽነት ኤርትራ ብምጥባቕ ደው ዝበሉ ዜጋታት ነበረ።


በዚ ጊዜ'' (1950) ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣስላማይን ክርስትያንን ይርእዮን ይሰምዖን ከም ዘሎ፡ ነቶም ናጽነት ንምምላስ ዚጋደሉ ዘለዉ ደቀባት ቆረብቲ ሰገድቲ፡ ሰላማውያን ሰባት፡ ቅዱስ ሚስጥራታ እናኸልከለት፡ ከም ኣድገ በቕሊ ብዘይ መስቀል ኪቕበር ትእዝዝ ኣላ።


እቲ ጸሓፊ ነቲ ሞራላዊ ውድቀት ገለ መራሕቲ ኦተቤኤ ብምዅናን ጽሑፉ ይዛዝም፡

ካብ ሃይማኖት ኣቦታቱ ዝወጸ፡ ካብቲ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ሕግን ስርዓትን ዝዘንበለ ሰብ እንተ ዚርከብኳ፡ ብጸሎትን ብምህለላን፡ ብፍትሕን ብትሑት ኣገልግሎትን ደኣ ናብ መጓሴኣ ክትመልስ ምተገብኣምበር ብጥፍኣቱ ክትጻወት ወይ ንጥፍኣቱ ክትሕግዝ ኣይምተገብኣን። ንሳ ግን፡ ነቶም ካብ ሃይማኖት ኣቦታቶም ዘይወጹሰላማውያን ምእመናን ደቂ ኤርትራ፡ ብፖለቲካ ሓሳባቶም፡ ካብቲ ንሳ እትመርሖ ዘላ ፖለቲካዊ ማሕበር እተፈልዩ ስለ ዝኾኑ፡ ንናጽነት ሃገሮምን ህዝቦምን ከኣ ስለ እተጋደሉስ፡ ከም መናፍቓን ቆጺራ፡ ናይቲ ምእንታኣቶም እውን ዝሞተ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስጢራት ከሊኣ ከተጨንቖምን ክትገፍዖምን ትርአ ኣላ።


ኣቶ ኣለምሰገድ ተስፋይ ከምዚ ዝበለ ተሪር ወቐሳ ኣንጻር ገለ መራሕቲ ኦተቤኤ ካብ ብርዒ እቶም ኮስኳሲ ኤርትራዊ ሃገራውነት፡ ከምኡውን ምስ ኣቶ ኢብራሂም ሱልጣን ከም ኣቦ ኤርትራ ዚቝጸሩ ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም ጥራይ ኪወጽእ ከምዚኽእል ይሕብረና። እቶም ኣንድነታውያንውን ብዛዕባ ዋንነት እታ ኣቐዲምና ዝታዛረብናላ ጽሕፍቲ ኣብ ተመሳሳሊ መደምደምታ እዮም በጺሖም። ከም ኣበሃህላ ኣቶ ኣለምሰገድ እዚ ሓቂ ኪገብሮ ዚኽእል ምኽንያት ኣሎ፡


ንሱ ድማ ልክዕ ኣብታ እታ ጽሕፍቲ ኣብሓንቲ ኤርትራዝወጸትላ መዓልቲ፡ ለካቲት 4 1950 3 ፈተነ ቕትለት ኣብ ልዕሊ ኣቶ ወልደአኣብ ወልደማርያም ተገይሩ ነይሩዩሞ።

ዘይሕከኽ በደላት

ነዚ ዘጉሂ ሕሉፍ ታሪኽ ግን ንምንታይ ምልዓሉ ኣድለየ? ስለምንታይ ንጸሊም ነጥቢ ገለ መራሕቲ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ብድቂ ምርኣይ ኣድለየ? ነዚ መልሱ ብሓጺሩ፡ መራሕቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ሎሚውን ዘይሕከኽ በደል ኣብ ልዕሊ ምእመናን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ይፍጽሙ ስለዘለዉ ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ስሳ ዓመታት ንሳልሳይ ግዜ መራሕቲ ተዋህዶ ኣብ ክንዲ ንእግዚኣብሔርን ንቤተክርስትያንን ምግልጋል፡ ንቤተክርስትያን ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መራሒ ጉጅለ ብምርካብ ግጉይ መርገጽ ሒዞም ኣለው። ብፍጹም ካብ ታሪኽ ገና ኣይተማህሩን። እታ ማርቲን ሉተር ኪንግ ከም ሕልና ናይ ሃገር ከተገልግል ይግብኣ ዝበላ ቤተክርስያን፡ ሎሚውን እንደገና መሳርሒት መራሕቲ ሃገር ኮይና ኣላ!


ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ ብዘይንሕስያ ትብዝበዝ ኣላ! ሓደ ኣብ ቀረባ እዋን ዝወጸ ጽሑፍ ነቲ ዘደንግጽ ኩነታት ከምዚገልጾ፡ ጸረ ሃይማኖት ብዝኾነ ከምኡውን ኩሉ ኣሰር እምነት ካብታ ሃገር ከጥፍእ ብዝተዓጥቀ ኣምላኽ-ኣልቦ መንግስቲብፍላጥ ትዓኑኣላ።እቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጉጅለ፡ ነታ ቤተክርስትያን ምሉእ ብምሉእ ንምህጋር ከምኡውን መሳርሒ ናይቲ እኩይ ፖለቲካዊ መደባቱ ንምግባር ነቲ ኣብ 1930ታት ፋሽስታዊ መንግስቲ ኢጣልያ ከምኡውን ኣብ 1940ታት ሃጸይ ሃይለስላሴ ዝተጠቕሙሉ ሕሱር ሜላ ከም እንደገና ይጥቀመሉ ኣሎ።


ኣብ ከምዚ ኩነታት እኒ ኣቡነ ድዮስቆሮስን መሰልቶም ጉጅለ ጳጳሳትን ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣምላኽ ዘይፈልጥን ሓልዮት ህዝቢ ዘይብሉን መንግስቲ ህግደፍ ብትግሃት የገልግሉ ኣለዉ። ብሰሪ እዚ ንኦርቶዶክሳዊት ቤተክርትያን ዝተወሰነላ ዘይቕዱስ ግደ ከም መሳርሒት ናይቲ ስርዓት፡ እዞም መሻርኽቲ እቲ ስርዓት ዝኾኑ ሰበስልጣን ዳግም ኣሕሊፎም ንጒሒላ ብምሃብ ንኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ናብ ሓንቲ ትካል ዋህዮ) ናይቲ ስርዓት ለዊጦማ ኣለዉ።


ብኸመይ ኢዩ እቲ ዋላ ሓደ ማዕርግ ክህነት ዘይብሉ ኣቶ ዮፍታሀ ድሜጥሮስ ''ዓለም'' ክነሱ ብኢድ መንግስቲ ተሸይሙዋና ኣመሓዳሪቤተክርስትያን ዝብል ማዕርግ ዝሓዘ፡ ከምኡውን እቶም ብኢድ መንግስቲ ኣብ ስልጣን ኮፍ ዝበሉ ናይ ሓሶት ፓትርያርክ ዝኾኑ ኣባ ድዮስቆሮስ፡ ከምኡውን እቶም ዝተባህለ ምድጋም ዝተነግሮም ምእዋጅ ጥራይ ዝፈልጡ ጉጅለ ጳጳሳት ሎሚ ናይቲ ዘይርሳዕ በደል መሳርሕቲ ዝኾኑ ዘለዉ? እዞምመራሕቲቤተክርስትያን ነቲ ኣጸያፊ ተግባሮም ነቶም ብሕጊ እግዚኣብሄርን ብስርዓት ቤተክርስትያንን ተቐቢኦም ጓሳ ህዝቦም ዝኾኑ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ካብ ስልጣኖም ኣብ ምውራድን ኣብ ምእሳርን ከምኡውን ብዙሓት ሊቃውንቲ / ብዘይ ዝኾነ ክሲ ንዓመታት ኪዳጎኑ ብምትሕብባርን ብምጉያይን እዮም ጀሚሮሞ።


ካህናት ብዛዕባ ዝኾነ ጉዳይ ቤተክርስትያን፡ ንኣብነት ካብ ስልጣን ምውራድ ናይ ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ፍሉይ ሓሳብ ምስ ዘቕርቡ ወይ ተጻራሪ መትከል ምስ ዚወስዱ፡ እዚ ንቤተክርስትያን ጥራይ ዚምልከት እሞ ብሕጊ ቤተክርስትያን ጥራይ ከኣ ኪፍታሕ ዘለዎ መንፈሳዊ ጉዳይ ተገይሩ ኣይውሰድን ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ፍሉይ ሓሳብ በቶም ብኣቶ ዮፍታሀ ዝምርሑ ጳጳሳት ኮነ በቲ ዝሸሞም መንግስቲ ኤርትራ ከም ናይ ክሕደት ቃል ኢዩ ዝውሰድ። ነቶም ፍሉይ ርእይቶ ዘቕረቡ ሊቃውንቲ ከኣ ከም ከሓድቲ ብምጽላም በቲ ዘለዎም መንግስታዊ በትሪ ይኣስሩን የጋፍዑን ኣለዉ። እዚ ብተደጋጋሚ ዚርአ ዘሎ ኣብ ኤርትራ ዝስራሕ ዘሎ ትያትር ምስክር ዘየድልዮ ሓቂ ኢዩ።


ድሕሪ ዘይሕጋዊ ካብ ስልጣን ምውራድ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ ጥሪ 2006 ግህሰትን ዕንወትን ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ በቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጒሒላ ስርዓትን በቶም ኣብ ውሽጢ ቤተክርስትያን ዘለዉ ተሓባበርቱን እናሳዕረረ ይኸይድ ኣሎ። ብተወሳኺ፡ ክንዮ'' ቀጻሊ ምእሳር ቀንዲ ለቃውንቲ ቤተክርስትያን፡ ብዙሓት ካልኦትውን ኣብዚ እኩይ ስራሕ ሰይጣን ኢድና ኣይነእቱን ዝበሉ ኣብ ከተማ ኣስመራን ከባቢኣን ዚርከቡ ውሉደ ክህነት ካብ ሰበኻኦም ተባሪሮም ኣለዉ። እሙናት ምንጭታት ከምዚሕብርዎ፡ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ብዙሓት ሊቃውንቲ ካህናት ካብ ንኡስ ዞባታት ዓረዛ፡ ዓዲዃላ፡ ጉሕጭዓን ማይምነን ተኣሲሮም ኣለዉ። ንሳቶም ንብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ብዘርኣይዎ ምድንጋጽ ተኸሲሶም ኢዮም ተኣሲሮም ዘለዉ። ብተወሳኺ ብዙሓት ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ኤርትራ ኣብ ዘለዋ ገዳማት ዚርከቡ ፈለስቲ ተመሳሳሊ መስጎግቲ ይገጥሞም ኣሎ።


እዞም ምስ መንግስቲ ብምትሕብባር ንብጾቶም ዘእሰሩ ናይ ቤተክርስትያን ሓለፍትን ጳጳሳትን፡ እዞም ምእንቲ ውልቃዊ ረብሓ ኪብሉ ስልጣን ዝገበቱ እምበር ብዛዕባ ጉዳይ ቤተክርስትያንን ሓዋርያዊ ተልእኮኣን ግዲ ዘየብሎም ጭፍራ፡ እዞም መንግስቲ ብዙሓት ምእመናን ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ዚርከብዎ ኣስታት 3,300 መራሕትን ኣባላትን ዝተፈላለያ ኣብያተ ክርስትያናት ኤርትራ ኪእሰሩን ኣብያተ ጸሎቶም ኪዕጾ ከሎ ዘጣቕዑ ክርስትያናዊ ፍቕርን ሓልዮትን ዘይብሎም ኣረሜን፡ እዞም ንፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ብምኽሓድ ከም ገንሸል መስዋእቲ ንፖለቲከኛታት ጎይተቶም ኣሕሊፎም ዚህቡ፡ እዞም ጉጅለ እዚኦም ነዚ ጨካንን ውልቀመላኽን ስርዓት ኣቶ ኢሳያስ ብምግልጋል ንኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ካብ ውሽጢ ንምዕናው ይጓየዩ ኣለዉ። እዞም ሰባት: ነቲ ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም ቅድሚ ስሳ ዓመትዘይሕከኽ በደላትብምባል ዝኾነንዎ በደል ኣብ ቅድሚ ዓይንና ይደግምዎ ኣለዉ።


እቲ ዘሕዝን፡ እቲ ኣብዚ እዋንዚ ናይዚ ኹሉ በደላት ቀንዲ ተዋሳኢ ኮይኑ ዝሰርሕ ዘሎ ኣቶ ዮፍታሀ ድሜጥሮስ፡ ውሉድ ናይቶም ኣብ 1940ታት ዝተገብረ ተመሳሳሊ ውዲት ቀንዲ ተዋሳኢ ዝነበሩ ቀሺ ድሜጥሮስ ምዃኑ ኢዩ። ኣቦታት፡ "ወዲ ድሙ ነይገድፍ ግብሪ እሙ፡" ኪብሉስ ሓቂ ደኣ!


ተመሳሳሊ ዕልወት

ኣብዚ ዝሓለፈ ቍሩብ ኣዋርሕ፡ ኣቶ ዮፍታሔን እቶም ኮራኹሩ ዝኾኑ ጳጳሳትን፡ በቶም ብነዊሕ ሸቦጥ መንግስቲ ኤርትራ ዝርዓዱ ካህናት ኣቢሎም ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ኣብ ዚርከባ ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስትያናት ዚንበብ ጽሑፍ ይዝርግሑ ኣለዉ፡፡ እዚ ጽሑፍ'' ቅዳሕ ናይቲ ኣብ 1935 1950 ዝነበረ ጽሑፍ''ዩ። ቀንዲ ትሕዝቶኡ ኸኣ፡ ነቶም ብትብዓት ንዝኾነ ዓይነት ፖለቲካዊ ፈኸራን ታህዲድን ከይፈርሁ መሳርሒ ፖለቲካውያን ባእታታት ኣይንኸውንን ብምባል ስለ ሓቅን ስለ ንጽህና እታ ብደም ክርስቶስ እተጠርየት ዘፍቅርዋ ቤተክርስትያን ተዋህዶ ደው ዝበሉ ካህናት ንምንብርካኽ ኢዩ። እዚ ንጽቡቕ ስምን ዝንኣድ ባህርያትን ብዙሓት ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዘለዉ ካህናት ንምጽላምን ንምንሻውን በዞም ንኸብዶም ዚነብሩ መራሕቲ ቤተክርስትያን ዝዝርጋሕ ዘሎ ተደጋጋሚ ሓሶት፡ ካብቶም ጎይተቶም ካድራት ህግደፍ እተቐበልዎ ዕዮ-ገዛ ኢዩ።


እቲ ዚዝርጋሕ ዘሎ ጽሑፍ ኪንዮኡ ዚኸይድ ዕላማ''ውን ኣለዎ። ነቲ ኣንድነታውያን ኣብ 1940ታት ዝተጠቕሙሉ ዝበለየ ሜላ ብምጥቃም፡ እዞም ሰበስልጣን ቤተክርስትያን፡ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዘለዉ ኦርቶዶክሳውያን (ኤርትራውያን) ነቶም መንግስቲ ዝባረኾም ካህናት ጥራይኪሰምዑን ኪእዘዙንኣለዎም ብምባል ንምእመናን ምፍርራህ እዩ።


ንኣብነት እስኪ ሓደ ካብቲ ስራሕ ሰበስልጣን ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ንርአ። ኩሉ ከምዚፈልጦ፡ ኣብዚ እዋን'' እቲ ቀንዲ ምንጪ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ገዛኢ ስርዓት እቲ ኩሉ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ኤርትራዊ ኪኸፍሎ ዚግደድ 2 ሚእታዊትግብሪኢዩ። ዝኾነ ሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ ወይ ከኣ ናይ ሓደ ኣባል ቤተሰቡ ኪፍጽሞ ዘለዎ ቆንስላዊ ኣገልግሎት እንተልዩ እቲ 2 ሚእታዊትግብሪኪኸፍል ግድን ኢዩ። ስለዝኾነ ከኣ ብዙሕ ሰብ ከይፈተወ ካብ ምኽፋል ሓሊፉ ካልእ ምርጫ የብሉን። ዝኾነ ኣብ ኤርትራ ንብረት ዘለዎ ሰብ፡ ወይ ከኣ ንዝኾነ ምኽንያት ካብ ኤርትራ ዘመድ፡ ወለዲ፡ ሓው፡ ሓብቲ፡ ፈታዊ፡ መርዓት፡ መርዓዊከምጽእ ዝደለየ ሰብ ንዝሓቶ ይዕበ ይንኣስ ቆንስላዊ ኣገልግሎት፡ እቲ ሰብ 2 ሚእታዊት ከምዚኸፈለ መረጋገጺ ከምጽእ ኣለዎ። መጠን እቶት ናይቲ ሰብ ንምርግጋጽ ካብቲ ዝሕተተ ዶኩመንትታት ከኣ እቲ W-2 ተባሂሉ ዝፍለጥ ፎርም (ካብ ስራሕካ እትረኽቦ እቶትካ ዚገልጽ ወረቐት) ኢዩ።


እታ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቁጽጽር መንግስቲ ኣትያ ዘላ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ ነዚ መዝማዚ ተግባር እተፈጽምኣካቢት ግብሪናይ መንግስቲ ኮይና ከተገልግል ተገይሩ ኣሎ። ንኣብነት፡ ከምቲ ብዙሕ ሰብ ዚገብሮ፡ ሓደ ናብ ኤርትራ ከይዱ መርዓቱ ከምጽእ ምስ ዝደሊ፡ ሓደ ካብ ጠለባት ሰበስልጣን ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ እቲ መርዓዊ (ሳሕቲ ከኣ እታ መርዓት) 2 ሚእታዊትግብሪከምዚኸፈለ ምርግጋጽ ኢዩ። ሓደ ሰብ ኣብ ወጻኢ ምስ ዝመውት እሞ እቲ ሬሳ ከኣ ንቐብሪ ንዓዲ ዝኸይድ እንተኾይኑ፡ ሰበስልጣን ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን እቲ ዝሞተን ኣዝማዱን 2 ሚእታዊትግብሪንመንግስቲ ከምዝኸፈሉ እንተዘይኣርእዮም ናይ ቀብሪ ስነስርዓት ማለት ጸሎተ ፍትሓት ከይግበር ይኽልክሉ። እዚ ካብ መጽሓፍ ናይ 1940ታትኣንድነታውያንዝተወስደ ግፍዒ ኣንጻር ምእመናን ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ዝኾኑ ዜጋታት ኢዩ።


መጸዋዕታ ንምእመናን ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ

እቲ ኣገዳሲ ሕቶ ሕጂ፡ ግብረ መልሲ ናይ ሓደ ንርእሱ ከም ተዋህዶ ዚቖጽር ግዱስ ዜጋ እንታይ እዩ ኪኸውን ዘለዎ? ከምቲ ናይ 1930ታት ፋሽስታውያንን ናይ 1940ታት ኣንድነታውያን ዝገበርዎ፡ ሃይማኖቱ ብእኒ ኣቶ ዮፍታሔ ድሜጥሮስን ተኸተልቱ ጳጳሳትን ተጨውያ ስለ ስሱዕ ፖለቲካዊ ሸርሒ ነቶም ጸላእታ ዝኾኑ ክትውፈ ኩሉ ምእመን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ፡ ብሓደ ድምጺ መንግስቲ ኤርትራ ኢዱ ኣብ ጉዳይ ቤተክርስትያን ካብ ምእታው ክእርንብ ክጽውዕ ኣለዎ! እዚ ብኣቶ ዮፍታሔ ዚምራሕ መሳርሒ መንግስቲ ዝኾነ ጉጅለ ንቤተክርስትያን ንኣገልግሎት እዚ ኣምላኽ ዘይፍፈልጥ ሕልና-ኣልቦ ዝኾነ መንግስቲ ኣቶ ኢሳያስ ኪሸጥዋ ከፍቅድ የብሉን!


መንግስቲ ኤርትራ፡ ንምቁጽጻር ምእንቲ ኪጥዕሞ መራሕቲ ቤተክርትያን ንምእመናን መንፈሳዊ ኣገልግሎት ኪሓርሙ ስለዘገደደ ኪሓንኽ ይግብኦ! ቤተክርስትያን ከምቲ ቃል እግዚኣቢሄር ዚምህረና ቤት ጸሎት ደኣ እምበር ናይ መንግስቲ ኣካቢትግብሪክትከውን የብላን። ስርዓታት / ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዚኣትዉ ኣይኮኑን፡ ኪኣትዉ''ውን የብሎምን! ሓደ ሰብ ንዝኾነ ምኽንያት፡ ነቲ ዘይሕጋዊ መዝማዚግብሪነዚ ዘይሕጋዊ መንግስቲ ምኽፋል ስለዝኣበየ ጥራይ፡ ከምዚ ጉጅለ ዮፍታሔ ዚገብርዎ ዘለዉ ካብ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ቤተክርስትያን ምእጋድ ዚድግፍ ዋላ ሓደ ይኹን መንፈሳዊ ሰረት የብሉን። ኣብ ትምህርቲ ኣቦታት ቤተክርስትያን ኮነ ኣብ ባህሊ /ንውን ነዚ ዘይክርስትያናውን ዘነውርን ግደ ቤተክርስትያን ዚድግፍ ፍጹም የለን።


እቲ ናይ ቄሳር ንቄሳር፡ እቲ ናይ ኣምላኽውን ንኣምላኽ!’ (ማቴ 2221)

'ካብቲ ብዶር ሃብቱ ገብረኣብ   ዝተጻሕፈ ዝተተርጎመ

2009-02-07 06: