ጸወታ ጭርጭር - ዓበደ ኤርትራዊ ኣቡንን መንግስቲ ኤርትራን - ፍሉይ ጸብጻብ Print
Thursday, 20 October 2011 00:06

መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2005 .ም፡ ፖሎቲካውን ሃይማኖታውን ጉዳያት ዝዓመሉ ሓደ ወኪል ኣቡን ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ፡

ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ መዲቡ። እዚ ምደባ እዚ ግን ስቕ ኢሉ ካብ ባዶሽ ተበጊሱ ዝተወሰነ ኣይነበረን። መንግስቲ ኣቶ ኢሳያስ፡ ንነዊሕ እዋን ክከታተሎን ከጽንዖን ድሕሪ ምጽናሕ ንክትግበር ዝተወሰነ ነበረ። ስርዓት ኢሳያስ፡ ካብ መፈለምታ ወርሒ ግንቦት 2002 . ጀሚሩ፡ ነተን ዝርካበን ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ኣገልግሎተን ኣጊዱን ንመራሕተን ድማ ኣብተን ብኣረሜናውን ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዝአን መወዳድርቲ ዘይብለን ኣብ ፈቐዶ እታ ሃገር ዝርከባ ቤት ማእሰርትታት ዳጎኖም። ድሕሪ ምትግባር እዚ ዕማም እዚ ከኣ ካብ መወዳእታ 2004 . ጀሚሩ ኣንፈቱን ኣተኹርኡን ናብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን

ኣቅኒዑ ዕላማታቱ ንምትግባር ተዳለወ።


እዚ ብኣቶ ኢሳያስ ዝምራሕ መንግስቲ፡ ነዛ ቤተ ክርስቲያን ምሉእ ብምሉእ ክቆጻጸራን ከም ድላዩ ክዝውራን እንተ ክኢሉ ንዳርጋ ፍርቂ (50%) ህዝቢ ኤርትራ ምቁጽጻር ኮይኑ ስለዝተሰመዖ ኢዩ። ነዚ ዕማም እዚ ንምትግባር ከኣ፡ ብመጀመርታ ነቶም ክቃወምዎ ዝኽእሉን ዘስግእዎን ሊቃውንትን ብርሃን ቤተ ክርስቲያን ዝኾኑ ብሉጻት ደቂ ቤተ ክርስቲያን፡ ካብየ ኣብያተ ክርስቲያናትን፡ መንበሪ ኣባይቶምን ስርሖምን ሃዲኑ ኣብ ፈቐዶ ቤት ማእሰርትታት ዳጎኖም። ንብዙሓትውን ካብ ምግልጋል ቤተ ክርስቲያን ኣጊዱ ኣብ ቀጽሪ ኣብያተ ክርስቲያናት ከም ዘይቀርቡ ገበረ።


መንግስቲ ኤርትራ ዕላምኡ ንምትግባር ዝሓንጸጾ መደብ ግን ሓደ ዓብይ ሃጓፍ ነበሮ። ንሱ ከኣ ኣብ ልዕሊ ትሕትና: ምቕሉልነትን ጽኑዕ ሃይማኖታዊ እምነትን ኣቡነ እንጦንዮስ ኣነኣኢሱ ስለዝርኣዮ ኢዩ።

መንግስቲ ነቲ ኣብ ናይ ኤርትራ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ንክፍጽሞ ዝወጠኖ መደብ ኢድ ምእትእትታውን ምሉእ ብምሉእ ምቁጽጻርን ብቀሊሉን ብዘይተቓውሞን ከተግብሮ ዝኽእል መሲሉዎውም ነበረ። ኣቡነ እንጦንዮስ ግን ነቲ ብኣቶ ኢሳያስ ዝተወስደ ስጉምቲ ብቅሉዕን ብትርን ተቓወምዎ። ብወገን ብኣቶ ኢሳያስ ሓደ ፈላሲ ክብድሃኒ ኢዩ ዝብል ፍጹም ግምት ኣይነበሮን። ኣቶ ኢሳያስ፡ ብኣቡነ እንጦንዮስ ንዘጋጠሞ ብድሆን ተቓውሞን ምስ ኣስተውዓለ፡ ኣቡነ እንጦንዮስ ትሑትን ምቕሉልን ፈላሲ ጥራሕ ዘይኮኑስ፡ ኣብ እምነቶም ጽኑዕን ተባዕን መንፈሳዊ መራሕን ምዃኖምውን ብሩህ ኮነሉ።


ኣቶ ኢሳያስ፡ ብተግባራት ኣቡነ እንጦንዮስ ስለዝተቖጠዐ ከም ሳዕቤኑ ከኣ፡ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ሓለዋ ኣቐመጦም። ብካልእ ወገን ግን፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ምሉእ ስልጣን ዝተዋህቦ ዮፍታሄ ዲመጥሮስን ሰዓብቱን መደብ ምህጋር ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ብምቅጻል፡ ኣቓልብኦም ናብ ሰሜን ኣመሪካ ገበሩ።


ኣቶ ዮፍታሄ ዲመጥሮስን መሻርኽቱ ጉጅለ ጳጳሳትን፡ ነቲ ብወገን ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ክመጽእ ንዝኽእል ተቓውሞ ንምብርዓን ክበላሓቱ ጀመሩ። ነዚ እኹይ ውዲት ንምትግባሩ ድማ ነቶም ኣብ ኣውሮጳ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ብኣዕናዊ ተግባራቶም ጥራይ ንዝፍለጡ ኣባ ሲኖዳ መዘዙ። እዞም ኣቡን፡ ብሓደ ወገን ብጉልባብ ሃይማኖት ተጠቒሞም ንስሙር ተቓውሞ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ዘፍርስሉ፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ፖሎቲካዊ ዕላማታት መንግስቲ ዘተግብሩ እሙን ፖሎቲካዊ ካድር መታን ክኾኑሎም ኢዮም ዝሓርዩ። እንተኾነ ግን፡ ኣባ ሲኖዳ ንክንድዚ ስራሕ ዝበቕዕ ብስለት፡ ዓቅምን፡ መንስፈሳዊ ብቅዓትን የብሎምን። ብኣንጻሩ እኳ ድኣ፡ ብጸቢብ ኣተሓሳስባ ዝልለዩ፡ ነፍሰ ምቁጽጻርን ምጽውዋርን ዝጎድሎም፡ ልዙብነት ዘይብሎም፡ ድርቅናኦምን፡ ተሓቲቶም ክምልሱ ዘይምክኣሎምን ንምእመናን ብኣግኡ ብሩህ ኮነ።


ኣባ ሲኖዳ፡ ካብ ጥቅምቲ 2005 . እግሮም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካብ ዝኣተወትላ ዕለት ጀሚሮም ብምትሕግጋዝን ምሉእ ምድግጋፍን ካብቲ ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ዝርኸብ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራን፡ ብኣባላት ህግደፍን እንዳተዓጀቡ፡ ካብ ሓደ ከተማ ናብ ካልእ፡ ብዘይ ዕረፍቲ ተንቐሳቐሱ። ኣብ ልዕሊ ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ብዙሓት ካህናትን፡ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካን ነውራምን ዘሕፍርን ጸለመታት ምክያድ ስርሐይ ኢሎም ተታሓሓዝዎ። እቲ ጸለመታትን ናይ ሓሶት ወረታትን ይትረፍዶ ካብ ሓደ ኣቡን በሃላይስ ካብ ተራ ሰብ (ዓለም) እውን እንተኾነ ዘይትጽበዮን ካብ ውርዙይ ስነ ምግባር ዝረሓቐን ብምንባሩ ብሰማዒኡ ምንም ክእመን ኣይከኣለን። ብመጽናዕቲ ዝተሰነዩ ሰነዳት ኣይ--ኤፍ- ከም ዝሕብርዎ ብፍላይ ከኣ እተን ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2005 . ካብ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ንኩለን ጨናፍር ህግደፍ ብምስጢር ዝተዘርግሓ ደብዳቤታት ከምዝሕብርኦ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ ኣብ ምዕናው ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ብንጥፈት ክዋስኡ ከም ዘለዎም መምርሒ ተዋህቦም።

ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብቲ እውን ገና ኣብ መንፈሳዊመዝነቶምስለ ዝነበሩ: ንምምዳብ ኣባ ሲኖዳ ዝምልከት ምንም ኣፍልጦ ከምዘይብሎምን ብትእዛዞም ከምዘይኮነን ዝቃወም ህጹጽ ደብዳበ ናብ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ኣመሓላለፉ። ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ነዚ መልእኽቲ ከማሓላልፉ ዝተገደዱሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ምምዳብ ኣባ ሲኖዳ ንፖሎቲካዊ ዕማማት መንግስቲ እምበር ንጉዳይ ሃይማኖት ከምይዘኾነ ኣጸቢቆም ይፈልጡ ስለዝነብሩ እዮም።

ብተወሳኺ፡ ኣይ--ኤፍ- ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝረኸቦ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፡ ኣባ ሲኖዳ፡ ናብ ሃገረ ኣመሪካ ዝተላእኩ ብናይ ዲፕሎማቲክ ቪዛ ተሰንዮም ጥራሕ ኣይነበሩን። ወርሓዊ ደመዎዝ እውን እንተኾነ ካብ ካዝና ኤምባሲ ኤርትራ ይኽፈሉ ከምዝነበሩ የመልክቱ።

ኣባ ሲኖዳ፡ ካብ መፈለምታ ዕለተ-ምንቅስቓሶም ጀሚሮም፡ ብወገን እቲ ስርዓት ዘይዕግበት፡ ብምእመናን ከኣ ምዕዝምዛም፡ ዋላ በቶም ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ዝፍጸም ንዝነበረ ግህሰት ብዙሕ ዘይተሰከፉን ዘይተሰቆርምን ምእመናንን ኣብያተ ክርስቲያናትውን ክነጽግዎም ተገደዱ። ንትሑት ዓቕምን ዘይብቕዓትን ኣባ ሲኖዳ ዝእምቱ ኣሉታዊ ትሕዝቶታት ዘለዎም ጥርዓናት ናብ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራን ሲኖዶስን ክውሕዙ ጀመሩ። ካብ ዘፍርይዎ ዘፍርስዎ ብምብዝሑ ድማ ናብ ኣስመራ ንክሰሓቡ ጠለባት ወሓዙ።

ምንጭታት ሓበሬታ ኣይ--ኤፍ- ከምዘመልክትዎ፡ ንዘይተቐባልነት ኣባ ሲኖዳ ዝተገንዘበ ሲኖዶስ: ብውሑዱ ሰለስተ ግዝየ ናብ ኣስመራ ክምለሱ ኣዚዙዎም ከምዝነብረ ይሕብሩ። እንተኾነ ግን፡ ኣባ ሲኖዳ ነቲ ዝተዋህቦም ትእዛዝ ነጺጎም ኣዕናዊ ስርሖም ድኣ ቀጸሉ። ርጡብ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ: ኣባ ሲኖዳ ምስ ሲኖዶስ ዝነበሮም ርክብ ፍጹም ከምዝተበተኸውን ይሕብሩ። ብርትዓዊ መንገዲ እውን እንተተራእየ: ኣባ ሲኖዳ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ዝኾነ ይኹን ጉባኤ ናይ ሲኖዶስ ዘይምርካቦም ዝምድናኦም ምስ ኣስመራ ምብታኾም ርጉጽ ይገብሮ።


ገለ ምንጭታት ከምዝሕብርዎ፡ ዝምድና ኣባ ሲኖዳ ምስ ጉጅለ ዮፍታሄ-ድዮስቆሮስ ኣዝዩ ከምዝሻሕከረን፡ ነፍሲ ወከፎም ድማ ዕድል ኣብ ዝረኸቡሉ እዋን ኣብ ነንሕሕዶም ምውንጅጃል ከምዝቀዳደሙን ከምዘዘውትሩን የረድኡ።


ምንጭታት ካብ ኣስመራ ከም ዝገልጽዎ፡ ሲኖዶስ፡ ኣባ ሲኖዳ ናብ ኣስመራ ከምዘይምለሱ ምስተረድአ ካብ ሽመቶም ንክባረሩ ከምዝተወሰነ ይሕበሩ። ብተወሳኺውን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጉጅለ ዮፍታሄ-ድዮስቆሮስ ኣብ ኤውሮጳ ንዘተኻየደ ፍሹል ዑደቶም፡ ናብ ሰሜን ኣመሪካውን ክቕጽሉዎ ኢዩ መደቦም ዝነበረ። ዕላማ ዑደት ሰሜን ኣመሪካ ናይዚ ጉጅለ ሓንቲ ኢያ ነይራ። ንሳ ኸኣ ንዝርካቦም ኣብ ትሕቲኦም ዝማሓደሩ ካህናት ጉባኤ ብምጽዋዕ፡ ኣባ ሲኖዳ ናብ ኣስመራ ክምለሱ ንምግላጽ ክኸውን ከሎ፡ ኣብኡ ከለዉ ድማ ኣባ ዮውሓንስ (ጳጳስ ሃገረ ስብከት ዞባ ዓንሰባ) ሓድሽ ጳጳሶም ከምዝኾኑ ንምልላዮም ዝተወጠነ ነበረ። እንተኾነ ግን፡ ጉጅለ ዮፍታሄ-ድዮስቆሮስ ከምዝሓሰብዎ ኣይሰለጦምን። ጸብጻባት ኣይ--ኤፍ- ከምዝሕብርዎ፡ መእተዊ ቪዛ ብመንግስቲ ኣመሪካ ከምዝተኸልከሉ ይግለጹ። ብርክት ዝበሉ ሓበሬታታት ከም ዘመልክትዎ: ኣባ ሲኖዳ ኣብ ልዕሊኦም ንዝተጻወደ ተንኾል ስለዘስተብሃሉሉ: ብሓገዝ ኣዝማዶም ናይ ፖሎቲካ ዑቕባ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሕቲቶም ከምዘለዉ ይንገር። ኣይ--ኤፍ- ነዚ ሓበሬታ እዚ ገና ኣየረጋገጾን ዘሎ። እቲ ጉዳይ ናይ ምሕታት ዑቕባ ሓቅነት እንተሃልይዎ ግና: ኣባ ሲኖዳ ኩሉ ርክቦም ምስ ሲኖዶስ ይኹን ምስ ኤምባሲ ኤርትራ ከምዝተበከ የመልክት። እቲ ገና ዘይተፈትሐ ዘሎ ሕንቅልሕቅሊተይ ግን መንግስቲ ኤርትራን ጉጅለ ዮፍታሄ-ድዮስቆሮስ ጉዳይ ናይዞም ሸፊቶም ዘለዉ ኣቡን መፍትሒ ስኢኖምሉ ምህላዎም ኢዩ።

እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ኩነታት ናበይ ገጹ ይኸይድ ብዘየገድስ፡ ኣዕናውን በታንን ተራ እዞም ቆብዕ ዝደፍኡ ዕሉል ፖሎቲካዊ ካድር ግን ኣብዚ ዘብቅዐ ይመስል።

02-16-2009